BBC News, ትግርኛ - መእተዊ ገጽ
ዜናታት
ኣመሪካ ኣብ ኣርሲ ዝተፈጸሙ ቅትለታት ብምኹናን መንግስቲ ብግቡእ ክምርምሮ ጸዊዓ
ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ኣፍሪቃ፡ ብቀዳም ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብ ኣርሲ ብደይ መደይ ዝፍጸም ዘሎ ቅትለት ዝምልከቱ ዝወጽኡ ዘለዉ ጸብጻባት ንመንግስቲ ኣመሪካ ኣዝዩ ከምዘተሓሳሰቦ ኣፍሊጡ ኣሎ።
ቀጥታ , ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ካብ ናይ ሩስያ መገሻኡ ተመሊሱ
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ንሱ ዝመርሖ ልኡኽን ኣብ ሩስያ ዘካየዶ ናይ ስራሕ ብምጻሕ ወዲኡ ሎሚ ንጉሆ ናብ ኤርትራ ከምዝተመለሱ ሚኒስተር ዜና የማነ ገብረመስቀል በኤክስ ኣፍሊጡ
ጉጅለታት 'ኪዳን ንህልውና' ኣብ ካልኣይ መግለፂኦም እንታይ ኢሎም?
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም ዝቘመ ሸውዓተ ዕጡቓትን ጕጅለታት ኢትዮጵያ ዝሓቍፍ ኪዳን-ንህልውና፡ እዋናዊ ሃገራዊን ዞባውን ኩነታትን ኣሰላልፋ ሓይልታትን ከምዝገመገመ ኣፍሊጡ ኣሎ። ንመንግስቲ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ካብ ስልጣን ንምውራድን ንዅሉ-ዝሓቍፍ "መሰጋገሪ መንግስቲ" ንምቛምን ዝዓለመ እዚ ሓድሽ ኪዳን፡ ድሕሪ ምምስራቱ ናይ መጀመርታ ዕላዊ ኣኼባ ከምዘካየደ እዩ ኣፍሊጡ ዘሎ።
ውሑድ ምስራሕ ንጥዕናና ጠቓሚዶ ይኸውን?
ካብ ድቃስ ክሳብ ጥዕና ከስዐ፡ ኣብ ጥዕና ደቂ ሰባት ለውጢ ከምጽኡ ይኽእሉ ተባሂሎም ዝእምነሎም ቀለልቲ ልምድታት ብዙሕ ሳይንሳዊ ምርምር ይካየደሎም'ዩ። ዓለምለኻዊ ትካል ጥዕና፡ ኣብ ኢንዱስትሪ ጥዕና ዝወጽእ ወጻኢታት ኣብ 2029 ዋጋኡ 9.8 ትሪልዮን ዶላር ክኸውን ምዃኑ'ኡ ዝግምት።
ሕቡራት ሃገራት፡ ኤርትራ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝቐጸለ ዘይሕጋዊ ማእሰርትን ምስዋር ሰባትን ደው ከተብል ጸዊዑ
ኣብ ኤርትራ ካብ 1991 ጀሚሩ ንልዕሊ ሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት ዝቐጸለ ዘይሕጋዊ ማእሰርትን ብግዲ ምስዋር ዜጋታትን ብዘይ ዝዀነ ተሓታትነት ይቕጽል ምህላዉ ብምግላጽ፡ እዚ ተግባር'ዚ ብህጹጽ ደው ክብል ገለልተኛታት ክኢላታት ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ጸዊዖም።
ብሪጣንያ ንቐዋሞ መንበሪ ዝምልከት እንታይ ሓዲሽ ሕግታት ከተተኣታቱ ሓሲባ?
ጸሓፊት ውሽጣዊ ጉዳያት ዓባይ ብሪጣንያ ሻባና ማሕሙድ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ብዛዕባ ሕግታት ኢሚግሬሽን ንሕጋውያን ስደተኛታት ዝሃበቶ ናይ መወዳእታ ውሳነ ከተፍልጥ ትጽቢት ይግበር። ንሳ፡ ገለ ትሑት ደሞዝ ዘለዎም ስደተኛታት ን15 ዓመት ምጽባይ ከጋጥሞም ከሎ፡ እቲ ቐዋሚ መንበሪ ንምርካብ ዝግብር ምጽባይ ካብቲ ሕጂ ዘሎ ሓሙሽተ ዓመት ናብ 10 ዓመታት ክናዋሕ ሓሳብ ኣቕሪባ ነይራ'ያ።
ኢትዮጵያ፡ ላዕለዎት ሰበስልጣን ወተሃደራዊ ስልጠና ይወስዱ
ኣብዚ ሰሙን፡ ኣብ ሩስያ ዑደት ዘካየደ ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ፡ ንሰራዊቱ ብዘመናዊ ኣጽዋር ንምሕያል ዘለዎ ሸቶ ብምግላጽ፡ ንኢትዮጵያ ካብ ሃገራት ትሕተ-ሰሃራ ኣፍሪቃ ቀዳመይቲ ዘገብራ እተባህለሉ ሱ-35 ዝዓይነተን ዘመናዊያን ነፈርቲ ውግእ ከም ዝተረከቡ ኣፍሊጡ ነይሩ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስን ፑቲንን እንታይ ዘትዮም?
ብመሰረት እቲ ሓበሬታ ምኒስትሪ ዜና፡ ፑቲን ክልቲአን ሃገራት ኣብ ሓያሎ ዓለምለኻዊ ጉዳያት ተመሳሳሊ መርገጺ ከም ዘለወን ብምግላጽ፡ ኤርትራ ኣብ መድረኻት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንእትህቦ ደገፍ ዘለዎ ናእዳ ገሊጹ።
ትግራይ፡ መጥቃዕቲ ድሮን ኣብ ራማ ሓያለ ሰላማውያን ከም ዝቐተለ ተገሊጹ
ኣብ ከተማ ራማ ዓዲ-ደርባዕተ ንሰለስተ ተኸታተልቲ መዓልታት ብዝተኻየደ ተኸታታሊ መጥቃዕቲ ድሮን፡ እንተ ወሓደ 18 ሰላማውያን ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ፡ ሓያሎ ድማ ከም ዝቘሰሉ ነበርቲ እቲ ከባቢ ንቢቢሲ ሓቢሮም።
ደብዳብ ድሮን መዕቈቢ ተመዛበልቲ ኣምሓራን ዘይተመለሱ ሕቶታትን
“ኣካላቶም ፋሕ ኢሉ ስለ ዝወደቐ ብቴንዳ ጠቕሊልና ኣብ ሓደ ጋህሲ ቀቢርናዮም" — ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ መዕቈቢ ተመዛበልቲ ዝተኻየደ ደብዳብ ድሮን፡ ኣብ መንጎ ህልቂት ሰላማውያን ዜጋታትን ስቕታ ሰበ-ስልጣንን ዘልዓሎም ዘይተመለሱ ሕቶታት።
ሞያለ፡ ግጭት ን50,000 ሰባት ኣብ ዘፈናቐለሉ መንግስቲ ኢትዮጵያ ስቕታ መሪጹ
ኣብ ከተማ ሞያለ ዝተወልዐ ደማዊ ግጭት ንልዕሊ 50,000 ሰባት ካብ መረበቶም እንከመዛብል፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን ብዛዕባ’ቲ እናበኣሰ ዝኸይድ ዘሎ ቅልውላው ክሳዕ ሕጂ ዝዀነ ምላሽ ከይሃበ ስቕታ መሪጹ ይርከብ።
ልኡላውነት ምስዘይክበር ጥዑይ ዝምድና ክህሉ ኣይክእልን'ዩ - ፕረዚደንት ኢሳይያስ
ኣብ ዋዕላ ሩስያ-ኣፍሪቃ ንምስታፍ ኣብ ሞስኮ ዝርከብ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ምስ ሩስያዊ መንግስታዊ ተለቪዢን ስፑትኒክ ኣብ ዘካየዶ ቃለመሕትት ልኡላውነት ሃገራት ይጠሓስን ይግሃስን ኣሎ ኢሉ።
ቢቢሲ ትግርኛ ናብ ቲክቶክ መጺኡ'ሎ፣ ተኸታተሉ።
ኣብ ካልእ ዘይትረኽብዎ፡ መሳጥን ኣገዳስን ሓበሬታ ንምርካብ ቀዳሞት ኵኑ።
ከይሓልፈኩም
ኣስመራ፡ እታ ብጽምኢ ማይ ትሳቐ ዘላ ከተማ
ኣስመራ፡ እታ ብጽሬታን ብስሩዕ ውጥን ዘመናዊ ከተማውነትን ኣብ ቅድሚት ትስራዕ ዝነበረት "ንእሽቶ ሮማ"፡ ሎሚ መልክዓ ብሕሱም ኵነታት ተቐይሩ፡ ነበርታ ኣብ ከቢድ ጸገም ጽምኢ ማይ ይርከቡ። ቢቢሲ ንዝተፈላለዩ ሞያውያን፡ ነበርትን ሰነዳትን ተወኪሱ'ሎ፤
ድምጺ, ቢቢሲ ትግርኛ ዜና / ዜና፡ ካብ ቢቢሲ ትግርኛ
21:09 EAT - 21:24 EAT
ኤርትራ-ኢትዮጵያ፡ እቲ ተወሊዑ ዝቐሃመ ዕርቀ ሰላም 2018
ህዝቢ ክልቲኡ ሃገራት ልክዕ ከምቲ ብ11 መስከረም 2018 ኣብ ዛላምበሳ ሰርሓን ኣኣብ ቤቱን ቅርዓቱን ዘርኣዮ ጽምብል ናይ ብሓቂ ደላይ ሰላምን ፍቕርን ምዃኑ እዩ። ስለዚ እቲ ድሌት ናይ ህዝቢ ኣይፈሸለን እቲ መሪሕነት ክልቲኤን ሃገራት ግን እቲ ህዝባዊ ተቐባልነት ነናብ ፖለቲካዊ ረብሓኡ ስለዝቐየሮ ንግዚኡ ተኾሊፉ ኣሎ።
ዶ/ር ኣቢጋይል ብርሃነ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኬምብሪጅ ፈላሚ ታሪኽ ዘመዝገበት ኤርትራዊት
ኣብ ንኡስ ዕድመኣ ንላዕሊ ብምቊማት ሰማይ ደረት ከምዘይብሉ ዘስተውዓለት'ያ ትመስል። ቈልዓ እንከላ ጀሚራ ልዑል ርእሰ-ምትእምማንን ጥሙሕን ክትውንን ኣመና ኣይጸገማን።ኣብዚ ቀረባ ዓመታት፡ ዝተፈላለየ ሽልማት ክትረክብን ምስ ንጉስ ዓባይ ብሪጣንያ ዝርከቦም ኣገደስቲ ውልቀሰባት ክትራኸብን ዝበቕዐት ኣቓልቦ ዝሰሓበት በላሕ መንእሰይ እያ
ኣብ ሸላታት ሞት ስዑዲ ዓረብ ተስፋ ዝቘረጹ ኢትዮጵያውያን ናብ ቢቢሲ ደዊሎም
ዓሰርተታት ኢትዮጵያውያን ፍርዲ ሞት ይጽበዩ ኣለዉ - ገለ ካብኣቶም ዛንታኦም ንምንጋር ናብ ቢቢሲ ትግርኛ ደዊሎም ዛንታኦም ነጊሮም ኣለዉ። እቲ ኢትዮጵያዊ መንእሰይ ካብታ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ፍርዲ ሞቱ ዝጽበየላ ጸባብ ክፍሊ ማእሰርቲ ብተሌፎን ናብ ቢቢሲ ክድውል ዕድል ምስረኸበ፡ ኣብ ድምጹ ጭንቀትን ተስፋ ምቝራጽን ይስማዕ ነይሩ።
ኤርትራ፡ ንመምርሒ ባጤራ ዝሰዓበ ሻቕሎትን ቅልውላውን ዕዳጋታት
ድሕሪ'ቲ ዝወጸ መምርሒ፡ ቍጠባዊ ኵነታት ይዅን ነቲ መምርሒ ዝሰዓበ ቅልውላውን ዘይምርግጋእን ዕድጋታት እንታይ ይመስል? ህዝቢኸ ብኸመይ ይቃለሶ ኣሎ? ኣብ ዝብል ኣተኵርና ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝተፈላለዩ ሰባት ኣዘራሪብና ኣለና።
ኣብ ዘይኲናቶም ተኸርዲኖም ምሩኻት ኲናት ዝዀኑ ኣፍሪቃውያን
ሓደ ካብ ሸሞንተ ብዩክረይን ዝተትሓዙ ምሩኻት ኲናት፡ ኣፍሪቃዊ እዩ። እዚኦም ቀጻሊ እንታይ'ዩ ከጋጥሞም ዝፍለጥ ኣይኰነን።
"ምስ ሞትኩ መርድእ ምንጋር ይሓይሽ"፡ ዘሰቅቕ ዛንታታት ሞት ዝተፈረዶም ኢትዮጵያውያን ካብ ስዑድያ
ሂዩማን ራይትስ ዎች ንምንጪታት ጠቒሱ ከም ዝሕብሮ ብኣማኢት ዝቝፀሩ ኢትዮጵያውያን ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ስዑዲ ዓረብ ይርከቡ። "መቕፃዕቲ ሞት ዝተፈረዶም ልዕሊ 200 ኢትዮጵያውያን ኣብ ኸሚስ ሙሻይት ተዳጒኖም ኣብ ልዕሊኦም ንዝፍፀም ይፅበዩ ኣለዉ" ክብል'ውን ኣመልኪቱ። ኣብ መስርዕ ሞት ካብ መንጎ ዝርከቡ ናይ ገሊኦም ዛንታ፡ 31 ዓመት ዘድመኡ ካብ ዞባ ምብራቕ ዝተሰደደ ደስታ እዩ።
ብዛዕባ እታ 'ሕብሪ ወርሒ' እትሰምየት ኤርትራዊት ዘውዲ ኣርኣያ እንታይ ንፈልጥ?
ኤርትራውያን ኣብ ናይ መንግስቲ ይዅን ብሕቲ ስራሓት ዝወፍረሉ፣ ሰብ-ሓዳር ቪላታት ዘስርሕሉ፣ ብዙሓት ደቀ'ባት ካብ ጣልያን ዝተረከብዎ ፋብሪካታት ዘመሓድርሉ፣ ብብዝሒ ዲታታት (ኩባንያታት) ዝነበርሉ፣ ቍጠባ እታ ሃገር ዝደንፍዓሉ፡ ደቂ ከባቢ ኣብታ ብጽሬታ እትነኣድ ኣስመራ ኣትዮም እቶት ዝምእርርሉ ግዝያት ነበረ።
ንሕንሕ ስዑዲ ዓረብን ኢማራትን ንቐርኒ-ኣፍሪቃ ናብ ዓውደ-ውግእ ይቕይሮዶ?
ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ከም ጂኦፖለቲካዊ መናሕንሕቲ ዝርኣኣዩ ሓይልታት፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ፖለቲካዊ፡ ዲፕሎማስያውን ወተሃደራውን ለውጢ ኣሰላልፋታት ኣስዒቦም ኣለዉ። ሃገራት እዚ ዞባ፡ ነቲ ግጭትን ምስኡ ተተሓሒዙ ዝመጽእ ለውጢታትን ንምግጣም ብኸመይ ከም ዝሕዝኦ ከሰላስላ ደሪኹወን ይርከብ።
ዝጐሃሃር ዘሎ ዳርባ ቃላት ኢትዮጵያን ኤርትራ ናበይ ከምርሕ'ዩ?
ኣብ መንጎ እዘን ክልተ ሃገራት ንኣስታት ክልተ ዓመታት ክባላሕ ዝጸንሐ ናይ ቃላት ኲናትን ምትኹታኽን እናገደደ ክመጽእ ጸኒሑ ኣሎ። እዚ እዋናዊ ኵነታት ዝደረኸ ምዕባለታት እንታይ እዩ? ናበይ ከ ክመርሕ ይኽእል ንዝብል ዛዕባታት ቢቢሲ ንዝተፈላለዩ ምሁራትን ተንተንትን ኣዘራሪቡ'ሎ።
ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያን ኤርትራን ካልኦት ጐረባብቲን እንታይ ይመስል?
ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ብምኽንያት መበል 90 ዓመት ምስረታ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ 2030 ዓ.ም. [ግ] ናብ ሓምሻይ ወለዶ ክሰጋገር መደብ ከምዘሎ ተዛሪቡ።እዚ ንኤርትራ ዘመላኽት ከምዝዀነ ብዙሓት ይግምቱ፣ ትሕዝቶአን ክነጻጸር እንከሎ ኸኣ...፤
ቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዋትስኣፕ ቻነል
ትንታነ
ኢትዮጵያ ካብ ሩስያ ብዛዕባ ዝዓደገተን '4ይ ወለዶ' ነፈርቲ ውግእን ጸረ-ኣየርን እንታይ ንፈልጥ?
እተን ሱ-35 ዝተባህላ 12 ነፈርቲ ኢትዮጵያ ኣቐዲማ ዝኣዘዘተንን ሓደ ዓመት ኣቐዲመን ዝተረከባን ምዃነን ኣቢይ ጠቒሱ'ሎ። ብዘይካ'ዚ ኢትዮጵያ ብርክት ዝበለ ጸረ- ኣየር ሚሳይላት'ውን ካብ ሩስያ ክትርከብ ምዃና ገሊጻ'ላ። ኣብቲ ኣብ ከባቢ ርእሰከተማ ሞስኮ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ዙኮቭስኪ ከምዝተኻየደ ዝግለጽ ዘሎ ናይ ምርኽካብ ስነስርዓት ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ሌ/ጀነራል ይልማ መርዳሳ፡ ከምኡ'ውን ሓላፊ ትካል ኑክሌር ዶ/ር ኣብርሃም በላይ ተረኺቦም ነይሮም።
ካብ ኣርሲ ክሳብ ሞያለ፡ ኣብ ሓደ ሰሙን ህይወት 85 ሰባት ዝቐዘፈ ደማዊ መጥቃዕትታት ኢትዮጵያ
ካብ ኣርሲ ክሳብ ሞያለ ኣብ ሓደ ሰሙን ብውሕዱ 85 ሰባት ዝተቐተልሉ፡ ሓያሎ ዝተመዛበልሉን ናብ ጐረቤት ሃገር ኬንያ ዝተሰደድሉን ደማዊ መጥቃዕትታት፡ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ናይ ጸጥታ ክፍተት ዘጕልሕ ኰይኑ ኣሎ።
ሰለስተ ግዜ ካብ ሞት ዘምለጠ ጀነራል ዮሃንስ መን እዩ? ስለምንታይከ 'መዲድ' ተባሂሉ?
ሓደ ካብ ላዕለዎት ወተሃደራውያን ኣዘዝቲ ሓይልታት ትግራይ ኰይኑ ክሰርሕ ዝጸንሐ ሜጀር ጀነራል ዮሃንስ ወልደጊዮርግስ ኣብዚ ቅንያት ናብ ፈደራላዊ ሰራዊት ኢትዮጵያ ‘ኢዱ ሂቡ’ ብዝብል ቀንዲ መዘራረቢ ኰይኑ ቀንዩ። እዚ ‘ጆን መዲድ’ ብዝብል ዝፍለጥ ጀነራል ታሪኽ ህይወቱ፤ ቍልዕነት - ምግዳል፡ ውግኣትን ጕዕዞ ናብ ናቕፋ፡ ዛዛሚ ጕዕዞ ናብ ኣዲስ ኣበባን ብድሕሪኡን ብሓጺሩ ኣብዚ ጽሑፍ ብሓጺሩ ተገሊጹ ኣሎ።
ኣፍሪቃ ኣብ ፍኖት ቍጠባዊ ሓርነት ድያ ትስጕም ዘላ?
ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ባህርያዊ ጸጋታተን ብጥረኡ ናብ ወጻኢ ካብ ምልኣኽ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገረን ብምምስራሕ ዝለዓለ ረብሓ ንምርካብ ሓያል ጻዕሪ የካይዳ ኣለዋ። እዚ ኣብ ምሉእ እታ ኣህጉር ዝረአ ዘሎ ሓድሽ ኢንዱስትርያዊ ምንቅስቓስ፡ ንኣፍሪቃ ብቝጠባ ርእሳ ናብ ምኽኣል ዘበጽሓ ሓድሽ ምዕራፍ ድዩ?
ደግሲ ኵነተ-ኲናት ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ዘቕረባኦ ጥርዓናትን ግደ ማሕበረሰብ ዓለምን
ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ መንጐአን ዘሎ ወጥሪ እናዓረገ ኣብ ዝኸደሉ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙናት ዓለምለኻዊ ስጕምቲ ዝጠልብ ጥርዓንን ስምዕታን ናብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብምቕራብ ተካሲሰን እየን። ከምዚ ዝበለ ናብ ሕቡራት ሃገራት ይዅን ካልኦት ወሰንቲ ሃገራት ዝስደድ ደብዳበታትን መልእኽትታትን ግን እንታይ ትርጕምን ጽልዋን ይህልዎ? ግደ ማሕበረሰብ ዓለምከ እንታይ ክኸውን ይኽእል?
ኣብታ ዓቢይ ሃብቲ እንስሳ ዘለዋ ኢትዮጵያ፡ ዋጋ ስጋ ስለምንታይ ከቢሩ?
ኣብ ባህሊ መግቢ ኢትዮጵያ ፍሉይ ቦታ ዘለዎ ስጋ፡ ብሰንኪ ልዑል ዋጋኡ ካብ ኣመጋግባ ብዙሓት ሰባት ዝጠፍእ ዘሎ ይመስል። ብፍላይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ሓጺር እዋን ዋጋ ስጋ ብቕልጡፍ ምውሳኹ ስዒቡ ተጠቀምቲ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዋጋ ድኳናት ስጋ ብምቅዋም ተቓውሞኦም ብምስማዕ ተጠቀምቲ ምግዛእ ደው ከብሉ ክላበዩ ተራእዮም።
ኢትዮጵያ፡ ኮምሽን ሃገራዊ ዘተ ምኽረ-ሓሳባቱ ንህዝቢ ከየግሃደ ንፓርላማ ኣረኪቡ - ስለምንታይ?
ኣብ ኢትዮጵያ ንነዊሕ ዓመታት ዝጸንሑን ጠንቂ ግጭት ዝዀኑን ዘይምርድዳኣት ብሰላማዊ ዘተ ንምፍታሕ ዝቘመ 'ኮምሽን ሃገራዊ ዘተ'፡ እታ ሃገር ኣብ ውሽጣዊ ግጭታት ኣብ እትርከበሉ እዋን ወግዓዊ ናይ ስራሕ ግዚኡ ዛዚሙ።
ሕክምና መርጐዲ መትሎ ዘካይዱ ደቂተባዕትዮ ስለምንታይ ይበዝሑ'ለዉ - ጥቕሙን ጉድኣቱን?
ብመጥባሕቲ ሕክምና ወይ ብዘይ መጥባሕቲ መትሎ ንምዕባይ ዘኽእሉ ኣማራፂታት ኣለዉ። ኣብ መትሎ ዝውግኡ ንጥረ ነገራት'ውን ዝተፈላለዩ እዮም።
ሓይልታት ትግራይ ስለምንታይ ብቐሊሉ ተደፊኦም? ካብ በረኻታት ትግራይ ዝረኸብናዮ ምላሽ
ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ብቐረባ ዝከታተሉ ተንተንቲ ፖለቲካን ነበርትን፡ ንቢቢሲ ርእይቶኦም ሂቦም ኣለዉ። ካብ በረኻታት ትግራይ ድማ ምለሽ ረኺብና ኣለና፡ እንታይ ይብሉ?
ቀ/ም ኣብይ ኣሕመድ ንኤርትራን ህወሓትን ዘመሓላለፎ መጠንቀቕታ
ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ንህወሓት ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ ብምጥሓሱ ከሲሱ፣ ከምኡ'ውን መሪሕነት ህዝባዊ ግንባርን ንደሞክራስን ፍትሕን (ህግደፍ) ኤርትራ ንጻውዒት ሰላምን ምትሕብባርን ኢትዮጵያ ምላሽ እንተዘይሂቡ "ኣዝዩ ከቢድ" ዝበሎ ሳዕቤናት ክመጽእ ምዃኑ ኣጠንቂቑ።
ብዛዕባ ሹመኛታት ሞግዚት ምምሕዳር ትግራይ እንታይ ንፈልጥ?
ኣብ ትግራይ ዳግም ኲናት ካብ ዝውላዕ ንነጀው ንብዙሓት ከባቢታት ትግራይ ዝተቘፃፀረ መንግስቲ ፈደራል፡ ንዝቕፅሉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ንትግራይ ዝመርሕ ሞግዚት ምምሕዳር ከም ዘጣየሸ ብዓርቢ 06 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ኢትዮጵያ ዕላዊ ገይሩ ኣሎ።
ትግራይ፡ ሽዱሽተ ዓመት ካብ ደብረጽዮን ናብ ደብረጽዮን - ዳግማይ ኲናትን ዘይተመለሱ ሕቶታትን
እዞም ኣብ ትግራይ ኣብ ዝሓለፈ ሽዱሽተ ዓመታት ዝተራእዩ ምምሕዳራት/መንግስታት ዘራኽቦም፡ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ንትግራይ ምምሕዳሮም ጥራሕ ኣይኰነን። ኵሎም ዘይተፈትሑ ጉዳያት ገዲፎም እዮም ኣብቂዖም። እምበኣር ነቶም ምምሕዳራት ብኸምዚ ዝስዕብ ዳህሲስናዮም ኣለና፤
ኣዘራረብቲ ዛዕባታት
ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓደነትን ጐረባብተን ከኽብራ ኣለወን - ኣመሪካ
ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ሓድሕደን ከኽብራ ኣመሪካ ተማሕጺና። ኣፈኛ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ማርኮ ሩቢዮ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ብዛዕባ'ቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን እናዓረገ ዝመጽእ ዘሎ ወጥሪ ምስ ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ከም ዝተዘራረበ ኣፍሊጡ።
'ብህይወት ክንወፅእ፡ ተስፋ ኣይነበረናን' - ፍሉይ ቃለመሓትት ኮሎኔል ተወልደ ምስ ቢቢሲ
ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ነበር ጀነራል ታደሰ ወረደ ዝርከቦም፡ መጀመርታ ኣብ መቐለ ተኣሲሮም ካብኡ ድማ ክሳብ ጫፍ ዶብ ምስ ኤርትራ ተኣሲሮም ዝቐነዩ ኣርባዕተ ሓለፍቲ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ፡ ካብ ቤት ማእሰርቲ "ኣምሊጦም" ፡ ኣብ ኢድ ሓይልታት ሰራዊት ኢትዮጵያ ይርከቡ። ንኵነታቶም ዝምልከት ቢቢሲ ምስ ኮሎኔል ተወልደ ፍሉይት ቃለመሕትት ኣካይዱ'ሎ፤
ኤርትራ፡ ባይቶ ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ስጕምቲ ንኽወስድ ጸዊዓ
ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ወተሃደራዊ ወጥሪ እናገደደ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ኤርትራ፡ እቲ ኢትዮጵያ ዝወሰደቶ ስጕምቲ "ኣዋጅ ኵናት" እዩ ብምባል ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት "ብመሰረት ዓንቀጽ 7" ስጕምቲ ክወስድን ሓቲታ።
ኤርትራ ነቲ ኢትዮጵያ 'ዓጸፋ ክምልሰሉ'የ' ዝበለቶ ምትእትታው 'ሕጋዊ ምስምስ' ኢላቶ
ኢትዮጵያ ኣብ ግጭት እታ ሃገር ኢዱ ዘእቱ ዝዀነ ይዅን ግዳማዊ ኣካል ተሪር ግብረ-መልሲ ከም ዝወርዶ ከተጠንቅቕ እንከላ፡ መንግስቲ ኤርትራ ብወገኑ ነቲ ዝቐረበ ክሲ ብትሪ ብምንጻግ፡ ኣዲስ ኣበባ ምስ ኤርትራ ንምግጫው "ሕጋዊ ምስምስ" ትፈጥር ኣላ ክብል መሊሱ።
ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ዝጸንሓ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ምሉእ ብምሉእ ከምዝበተኸት ኣፍሊጣ
ኤርትራ ነቲ ኢትዮጵያ ዝወሰደቶ ዲፕሎማሰኛታት ናይ ምስጓግ ስጉምቲ ኣብ ዝሃበቶ ምላሽ ምስ ኣዲስ ኣበባ ዝጸንሓ ዲፕሎማስያዊ ርክብ ምሉእ ብምሉእ ክትበትኮ ከምዝወሰነት ኣፍሊጣ።
ሓይሊ ሰላም ትግራይ ንኤርትራ ይኸስስ፡ ኤርትራ'ውን ምላሽ ሂባ
ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ መዳውብቲ ክልላት ትግራይ፡ ኣምሓራን ዓፋርን ዳግም ዝተወልዐ ውግእ ቀዳማይ ሰሙኑ ኣብ ዘቝጸረሉ እዋን፡ ምስ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ተሰሊፉ ንሓይልታት ትግራይ ዝዋጋእ ዘሎ 'ሓይሊ ሰላም ትግራይ'፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብቲ ውግእ ብቐጥታ ይሳተፍ ኣሎ ክብል ከሲሱ።
ኢማራት ንህወሓት ብምዅናን ንኢትዮጵያ ዘለዋ ደገፍ ኣረጋጊጻ
ኤምባሲ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዓርቢ ምሸት ኣብ ወግዓዊ ማሕበራዊ ገጹ ብዘውጽኦ መግለጺ፡ ህወሓትን መሓዙት ሓይልታት ጥምረትን ኣብ ልዕሊ ፈደራላዊ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ፣ መዓርፎ ነፈርቲ ምቍጽጻሮምን ኣብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ዘካይድዎ ዘለዉ ወተሃደራዊ ግጭትን ብትሪ ኰኒኑ።
'ንሓዘንና ኣመና ኣኽቢዱዎ' - ኣብ ስዑዲ ዓረብ ብሞት ንዝተቐጽዑ ደቆም ክቐብሩ ሬሳ ዝሰኣኑ ወለዲ
ብዘይ ቅድመ-መጠንቀቕታ ዝፍጸም መቕጻዕቲ ሞት፡ ብምስጢር ሓመድ-ኣዳም ዝለበሰ ኣስከሬን፡ ከምኡ’ውን ሬሳ ደቆም ከይረኣዩ ባዶ ሳንዱቕ ዝቐብሩ ዘለዉ ወለዲ። ኣብ ስዑዲ ዓረብ ብሃንደበት ዝተቐትሉ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት፡ ንስድራቤቶም ቅባጸት ዘይረኸበ መሪር ሓዘንን ጣዕሳን ይሓድገሎም ኣሎ።
ኤርትራ፡ ኣብ ጉዳይ የመንን ቀይሕ ባሕሪን እንታይ ትብል?
ሓይሊታት ሑቲ የመን ኣብዚ እዋን፡ ሓድሽ ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ ብምክያድ ሓያለ ከባቢታት ቀይሕባሕሪ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽሮም ከም ዘእተዉ ኣብ ዝንገረሉ ዘሎ እዋን፡ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ዑስማን ሳልሕ "ጉዳይ የመን ወተሃደራዊ መፍትሒ የብሉን፡" ብምባል ርእይቶኡ ሂቡ።
ትግራይ፡ 'እቲ ዝኸፍአ ግዜ ካብ ጥሪ ንደሓር'ዩ'
ኣብዚ ዓመት ብሰንኪ ተርእዮ ኤል ኒኖ፡ ማእከላይ ክፋል ኢትዮጵያ፡ ሰሜን፡ ሰሜናዊ ምብራቕን ምብራቕን ኢትዮጵያ ዝርከቡ ከባቢታት ዝናብ ክረምቲ ከም ዝሓጸሮም ጸብጻባት ትካል መግብን ሕርሻን ሕቡራት ሃገራት የመልክቱ።
ትግራይ፡ ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪታት ሰላም እንታይ ይመስል?
ኤምባሲታት ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኖርወይን ካናዳን፡ ከምኡ'ውን 22 ኣባላት ሕብረት ኤውሮጳ ነቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን መራሕቲ ህወሓትን ዘተ ንምክያድ ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ ከም ዝድግፋ ኣፍሊጠን ኣለዋ።
ኤርትራ ምስታ ኣብ ገማግም የመን ብቀርሰንቲ ዝተጨውየት መርከብ ምትእስሳር ከምዘይብላ ገሊጻ
ሶማላውያን ሸፋቱ ባሕሪ ወይ ቀርሰንቲ ኣብ ጥቓ ገምገም ባሕሪ የመን ሓንቲ ፍርያት ነዳዲ እትጽዕን መርከብ ከም ዝጨወዩ ትካል ንግዳዊ ስርሒታት ባሕሪ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኤ-ኤፍ-ፒን ሮይተርስን ጸብጺቦም ነይሮም።
ሳይንስን ጥዕናን
ኢንተርነት ዳታ ብምዕቃብ ትሕዝቶታት ቢቢሲ ትግርኛ ብቐሊሉ ኣንብቡ።
ዳታ ንምዕቃብ ነቲ መርበብ ሓበሬታ ብጽሑፍ ጥራይ ኣንብቡ።




























![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://cdn.statically.io/img/ichef.bbci.co.uk/ace/ws/240/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)





























































